ሕቡራት መንግስታት (ሕ.መ.)፣ (ብእንግሊዝኛ፦ United States) (US)፣ ብውግዒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሕ.መ.ኣ.)፣ (ብእንግሊዝኛ፦ United States of America) (USA)፣ ወይ ብቐሊል ኣመሪካ (America)፣ ብሓምሳ ክፍለ ሃገራትን ፈደራላዊ ወረዳን ኣብ ዝቖመት ቅዋማዊት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ዝተመስረተት ልኡላዊት ሃገር እያ። ብሰሜን ምስ ካናዳ ብደቡብ ድማ ምስ ሜክሲኮ ትዳወብ። ርእሰ ከተማኣ ዋሺንግተን ዲ.ሲ. እያ።